Skip to main content

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ሚያዝያ 28፡ 2023፣ ዕድሚኦም 6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝኾኖም ኩሎም ሰባት ዝማዕበለ (bivalent) ክታበትር ክወስዱ ይምከር።

እቶም ዝማዕበሉ (bivalent) ክታበታት ነቶም ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብና ብቐጻሊ ኣብ ምዝርጋሕ ዝርከቡ ኦሚኮርን ዝበሃሉ ተለዋወጥቲ ዓይነት ንምጥቃዕ ዕላማ ዝገበሩ ኢዮም። እቲ ክታበት እንተላይ ነቲ ናይ መጀመርታ ዓይነት ዘርኢ ናይ ኮቪድ (COVID) ቫይረስ ንምጥቃዕ ዕላማ ዝገበረ ኢዩ። ንኹሎም እቶም ክውሰዱ ዝምከሩ ዓቐናት ዝማዕበሉ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት (ብአንግሊዝኛ ጥራሕ) ካብ ብርቱዕ ኮቪድ-19 (COVID-19) ዝበለጸ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎም።

ካብ ሚያዝያ 19፡ 2023 ጀሚሩ ምኽሪታት ናይ ማእከላት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም (CDC) ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ዝኾነ ሰብ ዕድሚኡ 6 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖ 1 ዝዘመነ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ፋይዘር ወይ ሞደርና እንተደኣ ወሲዱ ዘማልአ ከምዝኾነ (ብአንግሊዝኛ ጥራሕ) ይቑጸር።

ገለገለ ሰባት ተወሳኺ ናይ ኮቪድ-19 (COVID-19) መሐየሊ ክታበት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም፥

  • ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖም ሰባት 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ድሕሪ 4 ወይ ልዕሊኡ ኣዋርሕ ናይ’ታ ቀዳመይቲ ዝመዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።
  • ማእከላይ ወይ ብርቱዕ ዝኾነ ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ሰባት ድሕሪ 2 ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ናይ’ታ ዝወሰዱዋ ቀዳመይቲ ዝማዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ-5 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት እዋናዊ ክበሃሉ ብዝሕ ዝበለ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ከድልዮም ይኽእል ኢዩ፣ እንተላይ እንተወሓደ 1 ዝማዕበለ ዓቐን ፋይዘር ወይ ሞደርና። እዚ ኣብ’ቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ብዝሒ ዓቐንን ዕድሚኦምን ይምርኮስ።

ብኽብረትኩም ክንደይ ዓቐን ከምዘድልየኩም ሕቶ እንተሃልዩኩም ንወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕናኹም ተወከሱ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።

ብኸመይ ክታበት ክትወስዱ ከምእትኽእሉ ዝውሃብ/ዝቐርብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ለውጢ ይግበረሉ እዩ። ነቲ በብእዋኑ ዝተገብረ ለውጢ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ንምትርጓሙ ንጽዕር ኣለና፡ እንተኾነ ግን ንምትርጓሙን ኣብ ወብሳይት ንምዝርግሑን ግዜ ስለዝወስድ ምድንጓይ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ንትዕግስትኹም ኣዚና ነመስግን።

እቲ ኣዝዩ እዋናዊ፡ ተመሓይሹ ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ብእንግሊዝኛ ኣብ kingcounty.gov/covid/vaccine ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሉ ዕድሚኡ 6 ወርሒን ልዕሊኡን ክታበት ኮቪድ-19ን ቡስተር ክታበትን ብቑዕ እዩ።

ብዛዕባ ብቕዓት ዝያዳ ንምፍላጥ getting vaccinated in King County ተውከሱ።

ምንጭታት

ዕድሚኦም 5 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ብመጠኑ ወይ ብጣዕሚ ንትሑት ናይ ሕማም ምክልኻል ዝተቓልዑን ሳልሳይ ዓቐን ክታበት ንኽወስዱ ሲዲሲ ሓሳብ የቕርብ (CDC recommends) እቲ ሳልሳይ ክታበት መቐጽልታ ናይቶም ተኸታተልቲ ክታበታት እምበር መሐየሊ ኣይኮነን።

ንናይ ክታበት ቦታታትን ቆጸራን ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ ተውከሱ።

መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ክረምቲ 2023 ክጸንሕ ዝግመት ሰፊሕ ቀረብ ክታበታት COVID-19 ዓዲጉ። ክታበታት COVID-19፡ ሃገራዊ ቀረብ ክታበት ክሳብ ዝጸንሕ፡ ዋላ’ውን መድሕን እንተዘይብሎም፡ ንኹሉ ሰብ ብነጻ ክወሃብዩ።

ቀረብ ክታበት ፌደራል ምስተወድአ፤

  • ክታበት COVID-19 ኣብ ዋሽንግተን ንህጻናት ብነጻ ኮይኑ ክቕጽል እዩ።
  • ክታበት COVID-19 ንዓበይቲ ብመብዛሕትኦም ናይ ብሕቲ መድሕን፡ Medicare (“Apple Health”)፡ ከምኡ’ውን Medicaid/CHIP  ክሽፈን እዩ
  • መድሕን ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ናይቲ ከባቢ ፋርማሲታትን ማሕበረሰባዊ ማእከላት ጥዕናን ብነጻ ክታበት COVID-19 ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም።

መብዛሕትአን ዓይነት ናይ ብሕቲ መድሕን ጥዕና፡ ነቲ ሕሙም ከይከፈሉ፡ ኣብ መርበቦም ብወሃቢ ክንክን ጥዕና ዝወሃብ ክታበት COVID-19 ክቕጽሉ ኣለዎም። ናይ ብሕቲ መድሕን ጥዕና ዘለዎም ሰባት ካብ መርበብ ወጻኢ ዝኾነ ወሃቢ ኣገልግሎት እንተኸቲቡዎም ገለ ክፋል ናይቲ ወጻኢታት ክኸፍሉ ከድልዮም ይኽእል።

ህዝባዊ ጥዕና – ስያትልን ኪንግ ካውንቲን ከምኡ'ውን ካልኦት፡ ናጻ ናይ ክታበት ክንክን (clinics) ይህቡ ኣለዉ። ቀዳምነት ናይ ከምዚ'ኤን ክሊኒካት፡ ርትዓዊ ዝርገሐ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ ዝብል ድሕረ-ገጽ ክርከብ ይካኣል።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19


ብመሰረት ናይ ፌደራላዊ መንግስቲ መሰል ወድ'ሰብ ሕጊ - ሲያትልን ኪንግ ካውንቲን ኣብ ዝኾኑ ፕሮግራማትን ወይ ንጥፈታት፡ከም ናይ ውልቀ ሰባት ፍሉይ መሰል፡ ከም ዓሌት፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ካበይ መበቆል፡ ጾታዊ መለለዪ(ጾታዊ መግለጺ)፡ ናይ ገብረ ሰጋ ምርጫ፡ ሰንክልና፡ ዕድሜን፡ ኹነታት ሓዳር (ምርዑዋት ወይ ዘይምርዑዋት)፡ ኣፈላላይ ኣይገብሩን ኢዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ኣፈላላይ ጥርዓን ወይ ቅርታ ምስ ዝህልወኩም፡ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ንናይ ኪንግ ካውንቲ ፕሮግራም መሰል ወድ ሰብ፡ ኣብ ኮምፒተር civil-rights.OCR@kingcounty.gov; ወይ ኣብ ቁጽሪ ስልኪ 206-263-2446 (ብኽብረትኩም ሽምኩም ግለጹ)፡ TTY Relay 7-1-1; ወይ ድማ ብደብዳቤ ኣብ ኣድራሻ (401 5th Ave, Suite 800, Seattle, WA 98104) ተወከሱ።


Link/share our site at kingcounty.gov/covid/vaccine/tigrinya

expand_less