ሜትሮ (Metro)

ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ (King County Metro) ጥዑይ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናፅ ዝሕግዝ፣ ጥንኩር ቁጠባን ውሑስ ከባቢ አብ ምፍጣርን ኣስተውጽኦ ዝገብር፣ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዝሓዘ ፣ ዝተወሃሃደ ህዝባዊ ናይ መጓዓዚያ ኔትዎርክ ኣብ ምትእትትዋ ይርከብ። ኣ

ምንቅሰቓስ ናይ ደቂ ሰባት መሰል እዩ

ንሜትሮ(Metro)፣ ምንቅስቓስ ማለት ናብ እትደልየሉ ቦታ ኣብ እትደልዮ ሰዓት — ብደሓን ብማዕርነትን ብቀጻልነትን ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ማለት እዩ።

ሽቶና

ተልእኾና አብ ኪንግ ካውንቲ (King County ) ጽፉፍ ህዝባዊ መጎዓዚያ ብምቕራብ ክልላዊ ምንቅስቓሳት ምምሕያሽን ኣብ ኪንግ ካውንቲ ጽቡቕ መነባብሮ ከምዝህሉ ምግባርን እዩ።

ናይ ኪንግ ካውንቲ (King County) ሕብረተሰብን ከባቢያዊ አቀማምጣን ዝተፈላለየ እዩ፣ በዚ እውን ፣ ንሕና እንቐርጾ ናይ ምንቅስቓስ መርበብ ንሰባት ምስ ዕድላት ዘራኽብን እናዓበየ ዝርከብ ሕብረተሰብና ዘተኣሳስርን እዩ። ብሰንኪ ዘርእን ቦታን ንዝፈጠሩ ምርሕሓቓት ንምውጋድ ኣበርቲዕባ ንሰርሓሉ ኣሎና። አቕርቦት ብተዛማዲ አዝዩ ንዘድልዮም ድማ ቅድሚያ ንህብ።

ንሓና አብዚ ክልል ዝዓበየ ናይ አውቶቡስ መርበብ ኢና፣ ናይ አየር ብከላ (ግሪን ሃውስ) ብምቕናስ ናይ ጽርየት አየርና ክሕሎን ከምዝሕሎን ጻዕሪ ንገብር። ሜትሮ (Metro) ንኢንዱስትሪ ናይ መጓዓዚያ አብ ምምራሕ ይርከብ። ኪንግ ካውንቲ (County) ድማ አብ 2040 ካብ ናይ ኣየር ብከላ 100% ነጻ ንምግባር ዜሮ—ናይ ኣየር ብከላ ዘለዎ ናይ መጉዕዓዝ ኣገባብ አብ ምትእትታው ይርከብ።

ኒዚ እናዓበየ ዝኸድ ዘሎ ክልልና ናይ ኣገልግሎት ጠለባት ንምምላእ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ አውቶቡስ መሰረታት አብ ምስፋሕን ሓደሽቲ አብ ምህናፅን ክንነጥፍ ኢና።ናይ ሜትሮ (Metro) አቕርቦታት ምስቲ ዝዓበየ ቆጽለዋይ ህንፃታትን ዘላቒ ዕብየት ልምምዳትን ሓቢሩ ብዝኻድ መልክዑ ክህነጹ እዮም፣ ብተወሳኺ ከባቢያዊ ናይ ስራሕ ዕድላት ኬቕርብ እዩ።

ነቲ ሕበረተሰብ ዝሕግዘ ናይ መንቅስቓስ መርበብ ብምምዕባል ብጽኒዕ ቁጠባ፣ውሑስ ከባቢን ፣ ኩላትና ብሓደ ንቕድሚት ክንስጉም ንኽእል ኢና።


ባጀት

ፅፉፍ ህዝባዊ መጎዓዚያን ከባቢያዊ ምንቅስቓሳት ንመምሕያሽ ቆሪፅና አለና

ሜትሮ (Metro) ብኸመይ ናይ ገንዘብ ሓገዝገ ይረክብ፥

52% ናይ መሸጣ ግብሪ

15% ዋጋታት

15% ክልላዊ ምሕዝነታት

8% ካልእ

6% ዝወሃቡ ሓገዛት

4% ናይ ልቓሕ አቕርቦት

ገንዘባዊ ሓገዛት ብኸመይ ወፃኢ ይግበሩ

73% ናይ ስራሕ መካየዲ ወፃኢታት

14% ናይ ካፒታል – መሓውር ልምዓት

11% ካፒታል –

2% ናይ ልቓሕ አገልግሎት