
ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)
14 ታሕሳስ 2022፡ ሕጂ እዋናዊ ክታበት ተዳልዩ ኣሎ። እቲ እዋናዊ መሐየሊ ክታበት ንኦሚክሮን ነቲ ዝስፋፍሑ ዘሎው መልክዓት ከምኡውን ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ኮቪድ ቫይረስ ዒላማ ክገብር እዩ።
ነዚ እዋናዊ ክታበት ክትወስድ ኣለካ እንድሕር፡
- ዕድሜኻ/ኺ 6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ እዩ፣
- መባእታዊ ተኸታታሊ ክታበታት ወሲድካ እንተኾይንካ (እተን ቀዳሞት 2 ሞደርና /ፋይዘር / ኖቫክስ ወይ 1 ዓቀን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን)
- እቲ ናይ መወዳእታ ዓቀን ካብትወስድ ብውሑዱ 2 ወርሒ እንተጌርካ። (እቲ ናይ መወዳእታ ዓቀን መባእታዊ ዓቀን ወይከአ እቲ መሐየሊ ክኸውን ይኽእል እዩ)
ኩሉ ሰብ እዋናዊ መሐየሊ ክወስድ ይግባእ ፡ ብፍላይ ዕድሚኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ወይከኣ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ዘሎዎም ሰባት ወይከአ ፣ከም ሽኮርያ ወይ ሕማም ልቢ ናይ ጥዕና ኩነታት ዘለዎም ሰባት።
መዘኻኸሪ፥ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ናይ Pfizer መባእታዊ ተኸታተሊ ክታበት ዝወስዱ ብድምር 3 ዶዛት/ዓቐናት ትታበት ክወስዱ እዮም። ነቲ ተኸታተሊ ክታበት ገና ዘይወድእዎ ምስ ዝኾኑ፡ ከም ሳልሳይ መባእታዊ ዓቐን ክታበቶም Pfizer ባይቫለንት ክታበት ክወስዱ እዮም። ዉላድኩም ነቲ ናይቲ 3-ዶዝ ናይ Pfizer መባእታዊ ተኸታተሊ ክታበት ድሮ ወዲእዎ ምስ ዝህሉ፡ Pfizer ባይቫለንት ቡስተር/መበራትዒ ኣይወስዱን እዮም።
ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።
ብኸመይ ክታበት ክትወስዱ ከምእትኽእሉ ዝውሃብ/ዝቐርብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ለውጢ ይግበረሉ እዩ። ነቲ በብእዋኑ ዝተገብረ ለውጢ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ንምትርጓሙ ንጽዕር ኣለና፡ እንተኾነ ግን ንምትርጓሙን ኣብ ወብሳይት ንምዝርግሑን ግዜ ስለዝወስድ ምድንጓይ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ንትዕግስትኹም ኣዚና ነመስግን።
እቲ ኣዝዩ እዋናዊ፡ ተመሓይሹ ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ብእንግሊዝኛ ኣብ kingcounty.gov/covid/vaccine ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሉ ዕድሚኡ 6 ወርሒን ልዕሊኡን ክታበት ኮቪድ-19ን ቡስተር ክታበትን ብቑዕ እዩ።
ብዛዕባ ብቕዓት ዝያዳ ንምፍላጥ getting vaccinated in King County ተውከሱ።
ምንጭታት
- ሓጺር ሓበሬታ ክታበታት ኮቪድ-19, ክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ዋሽንግተን
ምንጭታት
- ናይ COVID-19 ክታበት ቡስተር ዶዝ መወከሲ መምርሒ ንኹሉ ዕድመ, ክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ዋሽንግተን
- ንኩሎም ድኩም ሕማም ናይ ምክልካል ዓቅሚ ዘለዎም ዝተዳለወ ናይ COVID-19 ክታበት መወከሲ መምርሒ, ክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ዋሽንግተን
ዕድሚኦም 5 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ብመጠኑ ወይ ብጣዕሚ ንትሑት ናይ ሕማም ምክልኻል ዝተቓልዑን ሳልሳይ ዓቐን ክታበት ንኽወስዱ ሲዲሲ ሓሳብ የቕርብ (CDC recommends) እቲ ሳልሳይ ክታበት መቐጽልታ ናይቶም ተኸታተልቲ ክታበታት እምበር መሐየሊ ኣይኮነን።
ንናይ ክታበት ቦታታትን ቆጸራን ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ ተውከሱ።
ክታበት ኮቪድ-19 ንምውሳድ ዝኽፈል ገንዘብ የለን፡ ኩነታት ጉዳይ ኢሚግረሽንካን ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ። እቲ ክታበት ብመዲኬር፡ መዲኬድ፡ ከምኡ'ውን መብዛሕትአን ናይ ውልቂ ኢንሹራንስ ዝሽፈን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢንሹራንስ ንዘይብሎም እቲ ወጻኢ ክታበት (ብካልኦት) ክሽፈን እዩ።
ኣቕረብቲ ክታበት ኮቪድ-19 ከም'ዚ ዝስዕብ ክገብሩ የብሎምን:
- ናይ ክታበት ኢሎም ከኽፍሉ፡
- ብቐጥታ ናይ ምምሕዳር፡ ኮ ፐይ ወይ ኮ ኢንሹራንስ ኢሎም ከኽፍሉ፡
- ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ የብልካን፡ ኢንሹራንስካ ንኹሉ ኣይሽፍንን እዩ ወይ ኣብ መርበብና የለኻን ኢሎም ክታበት ክኣብዩኻ፡
- ኣገልግሎት ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ረኺብካ ክንስኻ ናይ ቤት/ጽ ኣገልግሎት (ኦፊስ ቪዚት) ወይ ካልእ ክፍሊት ኢሎም ከኽፍሉኻ፡
- ክታበት ኮቪድ-19 ንኽትረክብ ካልእ ተወሳኺ ኣገልግሎት ክትወስድ ከገድዱኻ የብሎምን። ኣድላዪ ምስዝኸውን ግን ክታበት ኣብ እትወስደሉ እዋን ካልእ ተወሳኺ ኣገልግሎት ክትቅበል ትኽእል፡ ብግቡእ ከኣ ክፍሊት ይሕተተሉ።
ኣቕረብቲ ክታበት ኮቪድ-19 ከም'ዚ ዝስዕብ ክገብሩ ይኽእሉ:
- ካብ መደብ ወይ ፕላን ኢንሹራንስ ተኸታቢ፡ ግቡእ ክፍሊት ምምሕዳር ክታበት ክሓቱ (ኣብነት: ውልቃዊ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ፡ መዲኬድ፡ መዲኬር)። እንተኾነ ግን፡ ኣቕረብቲ ነቲ ተረፍ ካብ ተኸታቢ ክሓቱ ኣይግባእን።
ህዝባዊ ጥዕና – ስያትልን ኪንግ ካውንቲን ከምኡ'ውን ካልኦት፡ ናጻ ናይ ክታበት ክንክን (clinics) ይህቡ ኣለዉ። ቀዳምነት ናይ ከምዚ'ኤን ክሊኒካት፡ ርትዓዊ ዝርገሐ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ ዝብል ድሕረ-ገጽ ክርከብ ይካኣል።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19
- ሰሌዳ ሓበሬታ፡ ናይ COVID-19 መስርሕ ምኽታብ ነበርቲ ኪንግ ካውንቲ Data dashboard: Summary of COVID-19 vaccination among King County residents
- ሓለዋ ጥዕና ክፈለ-ግዝኣት ዋሽንግተን ኮቪድ-19 ክታበት ወብፐጅ
- ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ኮቪድ-19 ክታበታት ወብፐጅ ( ናይ ኮምፒተር ሊንክ)
- ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ብዛዕባ መደብ ክታበት ክፍለጡ ዘሎዎም 8 ነገራት
ብመሰረት ናይ ፌደራላዊ መንግስቲ መሰል ወድ'ሰብ ሕጊ - ሲያትልን ኪንግ ካውንቲን ኣብ ዝኾኑ ፕሮግራማትን ወይ ንጥፈታት፡ከም ናይ ውልቀ ሰባት ፍሉይ መሰል፡ ከም ዓሌት፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ካበይ መበቆል፡ ጾታዊ መለለዪ(ጾታዊ መግለጺ)፡ ናይ ገብረ ሰጋ ምርጫ፡ ሰንክልና፡ ዕድሜን፡ ኹነታት ሓዳር (ምርዑዋት ወይ ዘይምርዑዋት)፡ ኣፈላላይ ኣይገብሩን ኢዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ኣፈላላይ ጥርዓን ወይ ቅርታ ምስ ዝህልወኩም፡ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ንናይ ኪንግ ካውንቲ ፕሮግራም መሰል ወድ ሰብ፡ ኣብ ኮምፒተር civil-rights.OCR@kingcounty.gov; ወይ ኣብ ቁጽሪ ስልኪ 206-263-2446 (ብኽብረትኩም ሽምኩም ግለጹ)፡ TTY Relay 7-1-1; ወይ ድማ ብደብዳቤ ኣብ ኣድራሻ (401 5th Ave, Suite 800, Seattle, WA 98104) ተወከሱ።
Link/share our site at kingcounty.gov/covid/vaccine/tigrinya