Skip to main content
Our website is changing! Starting March 31, 2023 our website will look different, but we're working hard to make sure you can still find what you need.  
King County logo

14 ታሕሳስ 2022፡ ሕጂ እዋናዊ ክታበት ተዳልዩ ኣሎ። እቲ እዋናዊ መሐየሊ ክታበት ንኦሚክሮን ነቲ ዝስፋፍሑ ዘሎው መልክዓት ከምኡውን ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ኮቪድ ቫይረስ ዒላማ ክገብር እዩ።

ነዚ እዋናዊ ክታበት ክትወስድ ኣለካ እንድሕር፡

  • ዕድሜኻ/ኺ 6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ እዩ፣
  • መባእታዊ ተኸታታሊ ክታበታት ወሲድካ እንተኾይንካ (እተን ቀዳሞት 2 ሞደርና /ፋይዘር / ኖቫክስ ወይ 1 ዓቀን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን)
  • እቲ ናይ መወዳእታ ዓቀን ካብትወስድ ብውሑዱ 2 ወርሒ እንተጌርካ። (እቲ ናይ መወዳእታ ዓቀን መባእታዊ ዓቀን ወይከአ እቲ መሐየሊ ክኸውን ይኽእል እዩ)

ኩሉ ሰብ እዋናዊ መሐየሊ ክወስድ ይግባእ ፡ ብፍላይ ዕድሚኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ወይከኣ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ዘሎዎም ሰባት ወይከአ ፣ከም ሽኮርያ ወይ ሕማም ልቢ ናይ ጥዕና ኩነታት ዘለዎም ሰባት።

መዘኻኸሪ፥ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ናይ Pfizer መባእታዊ ተኸታተሊ ክታበት ዝወስዱ ብድምር 3 ዶዛት/ዓቐናት ትታበት ክወስዱ እዮም። ነቲ ተኸታተሊ ክታበት ገና ዘይወድእዎ ምስ ዝኾኑ፡ ከም ሳልሳይ መባእታዊ ዓቐን ክታበቶም Pfizer ባይቫለንት ክታበት ክወስዱ እዮም። ዉላድኩም ነቲ ናይቲ 3-ዶዝ ናይ Pfizer መባእታዊ ተኸታተሊ ክታበት ድሮ ወዲእዎ ምስ ዝህሉ፡ Pfizer ባይቫለንት ቡስተር/መበራትዒ ኣይወስዱን እዮም።

ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።

ምምዕባልን ድሕነትን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ንህጹጽ ኣገልግሎት ዝውዕል ናይ መጀመርታ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ፈቒዱ’ሎ። ብዙሓት ካልኦት ክታበታት እውን ኣብ ምምዕባል ይርከቡ፡ ከምኡ’ውን ብገፊሑ ኣብ ምርምር ሓደስቲ መድሓኒታት (clinical trials) ዉሑስን ዉጽኢታዊን ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወለንተኛታት ይሰርሕ።

ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ኣብ እዋን ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት (National emergency) ፍርያት ንህጹጽ ጥዕናዊ ድልየት (ኣገልግሎት) ብወግዒ ንምግላጽ ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (Emergency Use Authorizations) ማለት EUAs ተባሂሉ ዝጽዋዕ ይጥቀም። EUAs፡ ፍርያት ቅድሚ ምሉእ ብምሉእ ፍቓድ ምርካቡ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕል ይፈቅድ።

ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) ንፈተነ፡ መሳርሒ፡ ወይ ንምፍዋስ ይጠቅም። ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣንትራክስ (anthrax)፡ ኢቦላ (Ebola)፡ H1N1፡ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ሕማማት ንምክልኻል ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (Emergency Use Authorizations) ሂቡ ኢዩ።

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) ክቑጸር እንተደኣ ኮይኑ ናይ ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) መምርሕታት ክማላእ ኣለዎ፡ እንተላይ ደረጃታት ዉጽኢታዊነትን ገምጋም ናጻ ኪላታት ሕክምናን።

እንተደኣ ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ንክታበት ናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) ኣጽዲቕዎ ፡ ካልእ ናጻ ኮሚቴ ኣማኸርቲ ንድሕነትን ዉጽኢታዊነትን ዳታ ክግምግምዎ ኢዮም። እዚ ኮሚቴ’ዚ፡ ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣብ ኢሙኒዘሽን ልምድታት (Advisory Committee on Immunization Practices (ACIP) እቲ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ምዃኑ ምኽሪ ይህቡ።እንተደኣ ቅቡል ኢዩ ኢሎሞ፡ ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣብ ኢሙኒዘሽን ልምድታት (ACIP) ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና መምርሒታት ይህብ።ምሕደራ መግብን ድራግን (FDA) ከምኡ’ውን ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ድሕሪ ምጽዳቕ ክታበት እውን ድሕነቱን ብቕዓቱን ምቁጽጻር ክቕጽሉ ኢዮም።

ድሕነት ክታበት ቀዳምነት ኢዩ። ኩሎም ክታበታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣብ ዩ.ኤ.ኣመሪካ ኣብ ጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሎም ብጽኑዕን ብዙሓት ደረጃታት ፈተነን  ከምኡ’ውን መስርሕ ምጽዳቕን ክሓልፉ ኣለዎም። እዚ እንተላይ ኣብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት መጽናዕቲታት ምግባርን ከምኡ’ውን ብናጻ ናይ ድሕነት ተቖጻጸርቲ ቦርድ ዝግበር ገምጋም ዳታን ይኸውን። ንምጥቃሞም መረጋገጽን ፍቓድን ዝረኽቡ ድማ ደረጃታት ድሕነትን ዉጺታዊነትን እንተሓሊፎም ኢዩ። ክታበታት ዋላ ምስተዋህቡ (ኣብ ግብሪ ምስዝውዕሉ) ምቁጽጻር ክግበረሎም ኢዩ።


እዛ ካብ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ዝተረኽበት ሓጻር ቪድዮ ክታበታት ኮቪድ-19(COVID-19) ብኸመይ ከም እተሰርሑ ትገልጽ። (ብእንግሊዝኛ ጥራሕ)

ብሓፈሻ፡ ናይ ክታበት ፈተነን ምህርትን ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ዝተፋላለዩ ደረጃታት ንሓያለ ዓመታት ኢዮም ዝካየዱ። ብምኽንያት እዚ ለብዒ ድማ፡ መንግስቲ ፈደራል ንተመራመርትን ሰራሕን ክታበት ንምምዕባል፡ ፈተነን ምህርትን ኣብ ሓደ እዋን ክህሉ ፍሉይ ፋንድ ሂቡ። ዝስገሩ ደረጃታት የለዉን ኮይኑ ግን ንምምዕባሎም ዝወስዶ ግዜ ብፍጥነት ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

እተን ዝተፈቕደለን ክታበታት ናይ Pfizerን Modernaን mRNA ክታበታት ኢየን፡ ናይ mRNA ክታበት ቴክኖሎጂ ንብዙሕ ዓመታት ዝተጸንዐን ክስርሓሉ ዝጸንሐን ኢዩ። ኣብዞም ክታበታት ተደላይነት እንዳዓበየ ከይዱ ምኽንያቱ ኣብ ቤተ-ምርምር ኣብ ኢድና ብዘለዉ ነገራት ክምዕብሉ ስለዝኽእሉ። እዚ ማለት ድማ እቲ መስርሕ ደረጅኡ ዝሓለወን መለክዒ ዘለዎን ኮይኑ ክታበት ንምምዕባል ካብቲ ኣሰራርሓ ልማዳዊ መንገዲ ክታበት ዝቐልጠፈ ስለዝገብሮ ኢዩ።

ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ኣብ 70ታት ዝማዕበለ ናይ ቫይራል ቨክተር ክታበት እዩ። (ድሕረ-ገጽ ብእንግሊዝኛ ጥራይ)። ንዓሰርተታት ዓመታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ብዛዕባ ክታበታት ቫይራል ቨክተር ኣብ መላእ ዓለምና ተኻይዶም እዮም። ከም ኢቦላ፡ ዚካ፡ ፍሉ ከምኡ'ውን ኤች ኣይ ቪ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም።

ክታበት እንተደኣ ብናይ ህጹጽ እዋን ኣጠቓቕማ ፍቓድ (EUA) እንተተፈቒዱ ነቶም ወለንተኛታት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ዝወሰዱ ካብቶም ብልሙድ ኣገባብ መስርሕ ምርግጋጽ ክታበት ዝወሰዱ ምክትታል ዝግበረሎም ግዜ ዝሓጸረ ይኸውን። ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ንምግባር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወለንተኛታት የሳትፍ፡ ከምኡ’ውን እንተወሓደ ፍርቆም ነቶም ወለንተኛታት እታ ናይ መወዳእታ ክታበት ምስወሰዱ እንተወሓደ ንክልተ ኣዋርሕ ምክትታል ይግበረሎም። (ኣብ ክንዲ እቲ 6 ወርሒ ወይ ዝያዳ ዝወስድ ልሙድ መስርሕ)። ዝኾነ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ጎድናዊ ሳዕቤናት ክታበት ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክረኣዩ (ክወጹ) ትጽቢት ይግበር።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምስተኸትቡ ዉሑዳት ጎድናዊ ሳዕቤናት ክረኣዩ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዋላ ድሕሪ ክታበት ንድሕነት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ምክትታል ክግበረሎም ኢዩ።

እወ። CDC ከምኡ'ውን FDA ዕሙቕ ዝበለ ገምጋም ውሕስነት ናይቲ ክትባት ድሕሪ ምግባሮም፡ ካብ ሚያዝያ 24 2021 ጀሚሩ 18 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ውልቀሰባት ናይ ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ክታበት COVID-19 ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። (እንግሊዝኛ ጥራሕ)

ክታበት ጀይ & ጀይ (J&J) ብፍላይ ትሕቲ 50 ኣብ ዝዕሚኤን ደቀንስትዮ ትሕት ብዝበለ ደረጃ ምርጋእ ደም ከምዘኸትል ተፈሊጡ ኣሎ። ፒፊዘር ሞደርና ከምኡውን ኖቫቫክስ ዝበሃል ክትክን ከምዚ ሓደጋ የብሉን እዚ ድማ ኢዩ ተመረጽቲ እዮም። (ድሕረ-ገጽ ብእንግሊዝኛ ጥራይ)።

ኣብ ማእከል ምክልኻል ሕማማት (CDC) ናይ ድሕነት ጉጅለ ክታበት ኣብ መንጎ mRNA ክታበታትን (ከም ፋዘርን ሞደረናን) Myocaditisን ኣብ ኣባጽህን ዓበይትን ርክብ ናይ ምህላው ተኽእሎ ከም ዘሎ በጺሕዎ ኣሎ። Myocarditis ምህባጥ ጭዋዳታት ልቢ'ዩ።

ተርእዮ ካብ ክታበታት Myocarditisን Percarditisን (ሕበጥ ጸግዕታት ጭዋዳታት ልቢ) ምስ ተዋሂቦም ዘለው ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ክታበታት ብምውድዳር/ምርእኣይ ሳሕቲ'ዩ። ምልክታት ምሕባጥ ጭወዳታት ልቢ ድማ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ድሕሪ ካለኣይ ደርጃ ክታበት ምውሳድ ዝበዝሕ ኣብ መንእሰያትን ዕብይ ዝበሉ መንእሰያትን ማለት ኣብ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ይረአ። መብዛሕተኦም ሕሙማት ድሕሪ ክታበት ዝረአ ሕበጥ ጭዋዳታት ልቢ፥ ሕክምናዊ ክንክንን ዕረፍትን ድሕሪ ምርካቦም ቀልጢፎም ይመሓየሹ እዮም።

ሳዕቤን ወይ ኣስጋእነት ብክታበት ዝስዕብ ሕብጠት ጭዋዳታት ልቢ ምስ'ቲ ክታበት ዝህቦ ጥቕሚ ክነጻጸር/ክወዳደር ከሎ ትሑት'ዩ። ክታበት ካብ ሕማም COVID-19: ኣብ ሆስቢታላት ብጻዕቂ ምድቃስን ሞትን ይከላኸልን ይቕንስን/ይንክን ኣሎ። ብተወሳኺ፥ ክታበት ካብ ብዙሓት ስርዓተ ነድርታት ዘርእዩ ናይ ሕማም ምልክታት ኣብ ቆልዑን ዓበይትን ንነዊሕ ዝጸንሑ ምልክታት ሕማም (Long Haul Covid)ን ንዝያዳ ሓደገኛ ዝኾኑ ሓደስቲ ዓሌታት ኮረና ቫይረስ ይከላኸል። ሳዕቤንን ሓደገኛነትን ናይ'ዞም ሕማማት ከኣ ካብ'ቲ ብክታበት ዝስዕብ ሕበጥ ጭዋዳታት ልቢ ዝያዳ ዝዓበየ እዩ።

ተርእዮ ብክታበት ዝስዕብ ሕበጥ ጭዋዳታት ልቢ ሳሕቲ ይኹን'ምበር ማእከል ምክልኻ ሕምማት (CDC) ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተኸትቡ ሰባት ድሕሪ ምኽታቦም ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት ሕማማት ከስተብህሉሎም ይመክር፥

  • ቃንዛ ኣፍ ልቢ
  • ሕጽረት ምስትንፋስ
  • ቅልጡፍ ህርመት ልቢ፥ ቁሪቁሪ ወይ ገብገብ ናይ ምባል ስምዒታት፥ ብርቱዕ ህርመት ልቢ

ካብ'ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታ ምስ ዝስምዖም ሕክምናዊ ትኹረት/ክንክን ከናድዩ ኣለዎም።

  • ኣይፋል፡ ክታበት COVID-19 ናይ ካላሚታ ነገራት ኣይህበኩምን ኢዩ፡ እንተላይ ኣብቲ ዝተወጋእኩምሉ ቦታ (ቅልጽምኩም)።
  • እቲ ክታበት ናይ ኤሌክትሮ ማግኔቲክ ፊልድ ክፈጥር ዝኽእል ትሕዝቶ የብሉን። ኩሉ ክታበታት COVID-19 ሓጺን፡ ኒኬል፡ ኮባልት፡ ሊትየምን ካልኦት ኣብ መሬትና ዝርከቡ ማዕድናዊ ባእታታት የብሉን። ማይክሮኤሌክትሮኒክስ፡ ኤሌክትሮድስ፡ ካርቦን ናኖቲዩብስ ወይ ድማ ናኖዋየር ሱፐርኮንዳክተር ዝበሃሉ ዝተሰንዑ ነገራት የብሎምን።
  • ኩሉ ናይ COVID-19 መስርሒ ቀመማት ኣብ ታሕቲ ኣብ ናይ COVID-19 ክታበት ከመይ ይሰርሕ ኣብ ዝብል ርኣዩ።   

እዛ ካብ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና ዋሽንግተን ዝተረኽበት ቪድዮ (ብእንግሊዝኛ ጥራሕ) ሓድሽ ሓበሬታ ምስረኣኹም ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጠባያት (tone)፡ ጸሓፊ (author)፡ ከምኡ'ውን ምንጩ (sources)፡ ኣብ ግምት መታን ከተእትዉ ምኽሪ ትህበኩም'ያ ምስ እትፈልጡዎም ሰባት ድማ ኣናጻጽርዎ። ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዘለዉ ግጉያት ሓበሬታ ንምዝታይ እዚ ሓቂ ድዩ? Is it True? ዝብል ሪሶርስ ኣማዕቢሉ ይርከብ።

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ብኸመይ ከምዝሰርሕ

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)፡ ሰብነትና ነቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ዘምጽእ ቫይረስ ዘለዎ ተጻዋርነት ቅድሚ ምሕማምና ከማዕብል ይሕግዞ። ክታበት ምስወሰድና፡ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም (immune system) ኣንቲቦዲስ (antibodies)፡ ከምኡ’ውን ሕማም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ምናልባሽ ብቫይረስ እንተተለኺፍና ንዓና ዝከላኸለልና ይሰርሕ።


ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣብ ሰብነትና ብኸመይ ከምዝሰርሕ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብዛ ናይ 60 ሰኮንድ ቪድዮ ተመልከቱ። (ብእንግሊዝኛ ጥራሕ)

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ካብ ሕማም ወይ ብርቱዕ ሕማም ኮቪድ-19 (COVID-19) ይከላኸል?

  • ንስርዓተ-ምክልኻል ሕማም (immune system) ነብስና ነቶም ቫይረስ ክቃለሶም (ክገጥሞም) ሓበሬታ ብምሃብ ሓገዝ ይገብር መልከፍቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ከምዘይስመዓና ይኸውን።
  • ኣብ ምርምር ሓደስቲ መድሓኒታት (clinical trials): ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዉ ክታበታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ንምክልኻል ህዝቢ ካብ ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣዝዮም ዉጽኢታዉያን ኮይኖም ኣለዉ።

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ነቲ ለብዒ ጠጠው ንምባል ኣዝዩ ሓጋዚ መሳርሒ ኢዩ።

  • ክታበት ምውሳድ ንነብስኹም፡ ንመሓዙትኩም፡ ንቤተ-ሰብኩምን ከምኡ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብኩም ንዘለዉ ካልኦት ሰባት ካብ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክታበት ምውሳድን ናይ ሓለዋ ጥዕና ለበዋታት ምኽባርን እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ኮቪድ-19 (COVID-19) ኢዩ።
  • ማስክ ምግባር ከምኡ’ውን ማህበራዊ ርሕቀት ምሕላው መልከፍቲ በቲ ቫይረስ ወይ ናብ ካልእ ምትሕልላፍ ንምጉዳል ይሕግዝ ኢዩ፡ እንተኾነ-ግን እዞም ስጉምቲታት እዚኣቶም በይኖም እኹላት ኣይኮኑን። ክታበት ምስ ስርዓተ- ምክልኻል ሕማም (immune system) ነብስኻ ኮይኑ ንቫይረስ እንተተቓሊዕካ፡ ንክከላኸል (ክዋጋእ) ቅሩብ ኢዩ።
  • ድሕሪ ግዜ፡ ብዙሕ ሰብ ምስተኸትበ፡ ገሊኦም መከላኸሊ ስጉምቲታት ኮቪድ-19 (COVID-19) ተባሂሎም ኣብዚ እዋንዚ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘይክንደልዮም ንኽእል ኢና።

ኣይፋሉን፡ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ንመልከፍቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)፡ ሰብነትና ኣንቲቦዲስ (antibodies) ከምኡ’ውን ኢንፈክሽን ዝከላኸሉ ዋህዮታት(cells) ክሰርሕ’ሞ ንሰብነትና ካብ ሕማም ክከላኸል ይሕግዝዎ። እቲ ክታበት ኣብ ሰብነትና ንዘለዉ ዋህዮታት ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ዝባን ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝርከብ ፕሮቲን ንኸፍርዩ ይምህሮም። እቲ ክታበት ነዚ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ መልእኽተኛ (መሰንጀር) RNA (mRNA ወይ ከኣ ካልእ ፍልይ ዝበለ ዘይጓዳእ ቫይረስ ማለት ሕማም ዘየስዕብ ይጥቀም። ሰብነትና ነዚ ፕሮቲን ንኸለልዩ ይማሃሩ’ሞ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ ሰብነትና ምስዝኣቱ ብቐሊሉ/ብቕልጡፍ ናይ ምክልኻል ግብረመልሲ ክህቡ ይኽእሉ።

ድሕሪ ክታበት ምውሳድና ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከም ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ቅልጽም፡ ወይ ልዑል ረስኒ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ። እንተኾነ-ግን እዞም ጎድናዊ ሳዕቤናት ንሓጺር ግዜ ኢዮም ዝጸንሑ ከምኡ’ውን እቲ ክታበት ኣብ ሰብነትና ተጻዋርነት ይፈጥር (ይሃንጽ) ከምዘሎ ምልክታት ኢዮም። ካብዞም ጎድናዊ ሳዕቤናት ገሊኦም ምስ ናይ ኮቪድ-19 (COVID-19) ምልክታት ተማሳሰልቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ኮይኑ ግን ምስ ናይ መልከፍቲ ሓደ ዓይነት ኣይኮኑን።እቲ ክታበት ቫይረስ ወይ ክፋል ናይ ቫይረስ የብሉን ከምኡ’ውን ንመልከፍቲ ኮቪድ-19 (COVID-19) ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ።

እተን ዝተፈቕደለን ክታበታት ናይ ሞደርናን ፋይዘርን mRNA ክታበታት ኢየን። ናይ mRNA ክታበት ቴክኖሎጂ ንብዙሕ ዓመታት ዝተጸንዐን ክስርሓሉ ዝጸንሐን ኢዩ።

ኣብ ክታበት mRNA ቫይረስ የለን፡ ስለዝኾነ ድማ ካብቲ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ኣይሕዘኩምን ኢዩ። እኳ ድኣ እዞም ክታበታት mRNA ንዋህዮታትና ዘይተጓዳእቲ ፕሮቲን ከፍርዩ መምርሒ ይህብዎም- ልክዕ ከም’ቶም ኣገደስቲ ፕሮቲን ኣብ ቫይረስ ኮቪድ-19 (COVID-19) ዘለዉ። ዋህዮታትና ነዞም ፕሮቲን ምስሰርሕዎም፡ ሰብነትና ሓያል ናይ ምክልኻል ግብረ-መልሲን ጸረ-ተህዋስያንን ካብ ኮቪድ-19 (COVID-19) ዝከላኸለሉ የማዕብል። ሰብነትና ንቫይረስ ከይተቓልዐ ካብ ለበዳ ከመይ ከምዝከላኸል ይመሃር።

እቲ mRNA ነቶም ዋህዮታትና ኣንጻር ኮቪድ-19 (COVID-19) ክከላኸሉ ድሕሪ ምምሃሩ፡ እቶም ኣብ ሰብነትና ዘለዉ ኢንዛይምስ ነቲ mRNA ብቕጽበት ከምዝሰባበርን ከምዝውገድን ይገብርዎ። mRNA ናብ ኑክሌስ ዋህዮታት፡ ናብ ዲንኤ (DNA) ወይ ናብ ጀነቲክ ማተርያል (genetic material) ኣይኣቱን’ዩ።

ዋላኳ እዚኣተን ክታበታት mRNA ናይ መጀመርታ ኣብ ጥቕሚ ክውዕላ ዝተፈቕደለን ይኹና እምበር፡ ቴክኖሎጂ mRNA ንልዕሊ 30 ዓመታት መጽናዕቲ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክታበት mRNA ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብ ናይ CDC ወብ-ሳይት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ናይ ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ናይ ኮቪድ-19 ክታበት፡ ንኸይጓዳእ ተባሂሉ ምምሕያሽ/ለውጢ ብዝተገብረሉ፡ ዘይጓዳእ ናይ ሰዓል (common cold) ቫይረስ፡ (ቫይረስ ኮሮና ዘይኮነ) እዩ ዝጥቀም። እዚ ዘይጓዳእ ቫይረስ፡ ዋህዮታትና ልክዕ ነቲ ኣብ ዝባን ኮሮና ቫይረስ ዝርከብ ፕሮቲን ዝመስል ንኸፍርዩ መልእኽቲ የመሓላልፍ። ዋህዮታትኩም ነቲ ፕሮቲን ምስኣፍረዩ፡ ኣካላትኩም ንኮቪድ-19 ንምምካት ዘኽእል ሓያል ናይ ግብረ-መልሲ ዓቕሚ የጥሪ። ኣካልኩም ንቫይረስ ኮሮና ከይተቓልዐ ብኸመይ ካብ ኮቪድ-19 ከምዝከላኸለልኩም ኣፍልጦ ይረክብ።

ከምዚኣቶም ዓይነት ክታበታት ብኮቪድ-19 ወይ'ውን በቲ መልእኽተኛ ዝኾነ ናይ ፍሉ ቫይረስ ከምእትጥቅዑ ኣይገብሩን እዮም። እቲ ቫይረስ ኣብ ሕመረት ናይ ዋህዮታትና፡ ዲ ኤን ኤ ወይ ጂን ናትና በሲዑ ኣይኣቱን ወይ'ውን ኣይልውጦምን እዩ።

ክኢላታት ስነ-ፍልጠት ኣብ 70ታት'ዮም ንቫይራል ቨክተር ኣማዕቢሎሞ። ንዓሰርተታት ዓመታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ መጽናዕትታት ክታበት ቫይራል ቨክተር ኣብ መላእ ዓለምና ተኻይዶም እዮም። ከም ኢቦላ፡ ዚካ፡ ፍሉ ከምኡ'ውን ኤች ኣይ ቪ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም።

ትሕቲ 50 ዝዕድሚኤን ደቀንስትዮ፡ ንምርጋእ ደም (blood clots) ከምኡ’ውን ዋሕዲ ቁጽሪ ፕላትለትስ ዝተባህሉ ዋህዮታት ብዝምልከት ሳሕቲ ግን ከኣ ሓደገኛ ሳዕቤን ከጋጥም ከምዝኽእል ክግንዘባ ኣለወን። ፒፊዘር ሞደርና ከምኡውን ኖቫቫክስ ዝበሃል ክትክን ከምዚ ሓደጋ የብሉን እዚ ድማ ኢዩ ተመረጽቲ እዮም። (ድሕረ-ገጽ ብእንግሊዝኛ ጥራይ)። ንተወሳኺ ሓበሬታ በጃኹም ኣብ ላዕሊ ዘሎ “ዓይነት ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ይዋሃብ ኣሎ’ዶ?” ዝብል ሕቶ ተመልከቱ።

እዚ ናይ ፍሉይ ደልታ ዓሌት/ ፍጥረት ሓደ ካብ'ቶም ሽዱሽተ ኣብ ኣሜርካ ኣስጋእቲ ዓሌታት ኮረና ቫይረስ ኮይኑ ብልዑል ዓቕሚ ዝላባዕን ምናላባት'ውን ኣብ መጻኢ ኣብ'ዛ ሃገር እቲ ቀንዲ ዝውቱር ዓሌት ክኸውን ይኽእል'ዩ። ንገዛእ ርእስኻን ሕብረተሰብካን ካብ ፍሉይ ደልታ/ሓድሽ ዓሌት እትከላኸለሉ ዝበለጽ ሜላ ምሉእ ክታበት ምውሳድ'ዩ። እዚ ማለት ናይ ሞደረና ወይ ፋይዘር ክታበት እንተደኣ ወሲድካ፥ ክልተ ግዜ ምኽታብካ ኣረጋግጽ።

እቲ ዝዓበየ ካብ ፍሉይ ደልታ/ዓሌት ኮረና ቫይረስ ዝስዕብ ሓደጋ ካብ ዘይተኸትቡ ሰባት ዝመሓላለፍ'ዩ። ምሉእ ክታበት እንተ ዘይወሲድካ፥ቀጻሊ ማስክ ብምልባስ፡ ኣካላዊ ርሕቀትካ ብምሕላውን ንሕማም ኮረና ድሕሪ ምቅላዕካን ምልክታቱ ምስ ዝስመዓካን ተቐላጢፍካ መርመራ COVID-19 ብምግባርን ንነፍስኻን ንካልኦትን ክትከላኸል ትኽእል።

ቀረብ ክታበትን፡ ክታበት ንምውሳድ ብቑዓት ዝኾኑን

ክታበት ኮቪድ-19 ናብ ሆስፒታላት፡ ፋርማሲታት፡ ብብዝሒ ሰብ ናብ ዝሕዛ ነቑጣታት፡ ማእከላት ጥዕና ማሕበረሰብ ከምኡ'ውን ናብ ካልእ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ተዘርጊሑ'ዩ።  ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ኣበይ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንምፍላጥ ኣብዚ ተወከሱ።

ኣሜሪካን ናይ መወልዳንን ጥዕና ኣካላት መፍረን ኮለጅ  ከምኡ'ውን ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC)፡ ነብሰ-ጾራት፡ ድቂ ክሕዛ ዝፍትና ዘለዋ ደቀንስትዮን፡ ዘጥብዋ ዘለዋ ኣዴታትን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዳ ይመኽሩ። እንተተኸቲበን ንነብሰን ኮነ ነቲ ዕሸል ጠቓሚ እዩ ይብሉ።

  • ነብሰ-ጾራት ኮቪድ-19 ምስዝሕዘን፡ ሕማመን ከቢድ ናይ ምዃን ልዑል ደረጃ ስግኣት ኣሎ። እዚ ልዑል ደረጃ መልከፍቲ ዘለዎ ዓይነት ደልታ (ደልታ ቫርያንት) ከኣ ነቲ ኩነታት ህጹጽነት ወሲኹሉ ይርከብ።
  • እዞም ክታበታት ኣብ ምክልኻል ካብ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ከቢድ ሕማምን፡ ሞትን፡ ውጽኢታውያን እዮም፡ እቲ ዓቕሚ ምክልኻል ከኣ ካብ'ታ ኣደ ሓሊፉ ናብ'ቶም ዕሸላት'ውን ናይ ምስጋር ተኽእሎ ኣሎ።
  • እንዳበርከተ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ (ዳታ) ከምዘረጋግጾ፡ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ግዜ ጥንሲ ውሑስ ምዃኑ ኢዩ። ክታበት ምውሳድ ምንጻል ጥንሲ የስዕብ እዩ ዝብል ዝኾነ ይኹን መርትዖ ዛጊት ኣይተበጽሐን። ሕቶ ምስዝህልወኩም፡ ንሓኪምኩም ኣዛራርቡ፡

ብብዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA) ዘይፍቀድ ክታበት COVID-19 (ኣስትራ ዚንካ) ድሕሪ ምኽታብካ፡ ኣብ’ዚ ሃገር ተቐባልነት ዘለዎም ዓይነት ክታበታት (ሞደርና፡ፋይዘርን ጆንሶንን ጆንሶንን) ዳግማይ ብምኽታብ ዘሎ ውጺኢትን ዉሕስነትን ዛጊት ኣይተረጋገጸን።

ይኹን’ምበር፡ኣብ’ዚ ሃገር ዘይተፈቕደ ክታበት ዝወሰዱ ውልቀሰባት፡ ኣብ ከም’ዞም ዝስዕቡ ኩንታት ብFDA ዝተፈቕደ ክታበት ዳግም ክወስዱ ይኽእሉ።

  • ብ WHO (ዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና) ኣብ ህጹጽ እዋን ኣብ ትቕሚ ንክውዕሉ ዝተፈቕደሎም ክታበታት COVID-19
    • ኣብ ህጹጽ እዋን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ብዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና (WHO) ናይ ዝተፈቕደሎም ኩሉ ዓቐን ክታበታት COVID-19 ወሲዶም ዝወድኡ ውልቀአባት፥ እንደገና FDA ዘፍቀደሎም ክታበታት COVID-19 ምውሳድ ኣየድልዮምን’ዩ።
    • ብ WHO ዝተፈቕደ ከፊላዊ ክታበት ዝወሰዱ ውልቀሰባት፡ ኣብ’ዚ ሃገር ብ FDA ዝተፈቕዱ ክታበታት ንክወስዱ ዕድል ክወሃቦ ይኽእል።

  • ብ FDA ይኹን ብ WHO ኣብ ህጹጽ እዋን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዘይተፈቕደሎም ክታበታት COVID-19
    • ብ FDA ይኹን ብ WHO ዘይተፈቕደሎም ክታበታት ምሉእ ወይ ከፊላዊ ክታበት COVID-19 ዝወሰዱ ውልቀሰባት፡ ብ FDAን ብ WHOን ዝተፈቕዱ ክታበታት ክወሃቦም ይኽእል’ዩ።

ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ክታበት COVID-19 ምስ እትወስድ እሞ ብ FDA ዝተፈቕደ ክታበት ዳግማይ ንምውሳድ እንተወሓደ ን28 መዓልታት ክትጽበ ይግባእ።

እንታይ ትጽቢት ኣሎ

ክታበት ኮቪድ-19 ንምውሳድ ዝኽፈል ገንዘብ የለን፡ ኩነታት ጉዳይ ኢሚግረሽንካን ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ። እቲ ክታበት ብመዲኬር፡ መዲኬድ፡ ከምኡ'ውን መብዛሕትአን ናይ ውልቂ ኢንሹራንስ ዝሽፈን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢንሹራንስ ንዘይብሎም እቲ ወጻኢ ክታበት (ብካልኦት) ክሽፈን እዩ።

ኣቕረብቲ ክታበት ኮቪድ-19 ከም'ዚ ዝስዕብ ክገብሩ የብሎምን:

  • ናይ ክታበት ኢሎም ከኽፍሉ፡
  • ብቐጥታ ናይ ምምሕዳር፡ ኮ ፐይ ወይ ኮ ኢንሹራንስ ኢሎም ከኽፍሉ፡
  • ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ የብልካን፡ ኢንሹራንስካ ንኹሉ ኣይሽፍንን እዩ ወይ ኣብ መርበብና የለኻን ኢሎም ክታበት ክኣብዩኻ፡
  • ኣገልግሎት ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ረኺብካ ክንስኻ ናይ ቤት/ጽ ኣገልግሎት (ኦፊስ ቪዚት) ወይ ካልእ ክፍሊት ኢሎም ከኽፍሉኻ፡
  • ክታበት ኮቪድ-19 ንኽትረክብ ካልእ ተወሳኺ ኣገልግሎት ክትወስድ ከገድዱኻ የብሎምን። ኣድላዪ ምስዝኸውን ግን ክታበት ኣብ እትወስደሉ እዋን ካልእ ተወሳኺ ኣገልግሎት ክትቅበል ትኽእል፡ ብግቡእ ከኣ ክፍሊት ይሕተተሉ።

ኣቕረብቲ ክታበት ኮቪድ-19 ከም'ዚ ዝስዕብ ክገብሩ ይኽእሉ:

  • ካብ መደብ ወይ ፕላን ኢንሹራንስ ተኸታቢ፡ ግቡእ ክፍሊት ምምሕዳር ክታበት ክሓቱ (ኣብነት: ውልቃዊ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ፡ መዲኬድ፡ መዲኬር)። እንተኾነ ግን፡ ኣቕረብቲ ነቲ ተረፍ ካብ ተኸታቢ ክሓቱ ኣይግባእን
  • ኢንሹራንስ ንዘይብሎም ንዝሃብዎ ኣገልግሎት ክታበት፡ ኢንሹራንስ ንዘይብሎም ተባሂሉ ካብ ዝተዳለወ ፕሮግራም (Health Resources and Services Administration's COVID-19) ክሓቱ ይኽእሉ።

ህዝባዊ ጥዕና – ስያትልን ኪንግ ካውንቲን ከምኡ'ውን ካልኦት፡ ናጻ ናይ ክታበት ክንክን (clinics) ይህቡ ኣለዉ። ቀዳምነት ናይ ከምዚ'ኤን ክሊኒካት፡ ርትዓዊ ዝርገሐ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ ዝብል ድሕረ-ገጽ ክርከብ ይካኣል።

ገለ ሰባት ገለ ምልክታት ከም ሕማም ርእሲ፡ቃንዛ ቅልጽም፡ ብርቱዕ ድኻም፡ ልዑል ረስኒ፡ ቃዛ ጭዋዳታት፡ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም ሒደት መዓልቲታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ።እዞም ምልክታት እዚኣቶም ድሕሪ’ቲ ካልኣይ ዓቐን ክታበት ብብዝሒ ይረኣዩ። እዚኣቶም ኩሎም ሰብነትና ዓቕሚ ምክልኻል ይሃንጽ ከምዘሎ ምልክታት ኢዮም። እዚ ንቡር’ዩ ካልእ ልሙድ ክታበት ድሕሪ ምውሳድና ዝርአ ዓይነት’ዩ።

ኣናፊላክሲስ - ብርቱዕ መልሲ ኣለርጂ- ክታበት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምውሳድ ኣዝዩ ዉሑድ'ዩ። ኩሎም ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19 ኣናፊላክሲስ ዝተሰምዖም ሙሉእብሙሉእ ሓውዮም'ዮም፡ ካብቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘጋጠመ ሞት ድማ የለን። ሓደጋ ብርቱዕ ሕማምን ሞትን ብኮቪድ-19 ካብ ሓደጋ ኣናፊላክሲስ ወይ ድማ ብርቱዕ ኣለርጂ- ክታበት ኣዝዩ ይዓቢ።

ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ብዛዕባ ኣናፊላክሲስን ካልኦት ኣለርጂክ ግብረ-መልስን ናይ'ዞም ክታበታት ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሓዙ ሪፖትታት የሕቲሙ'ሎ፣

ንጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ብዝምልከት ሲ ዲ ሲ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ኣብ ቀረባ እዋን ከቕርብ እዩ። ኣብ ዝተኻየዱ ክሊኒካዊ ፈተነታት ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ድሕሪ ምውሳድ ዝሰዓቡ ናይ ኣናፊላክሲስ ኣጋጣሚታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

መብዛሕትኦም ኣናፊላክሲስ ዘጋጠሞም ሰባት ነቲ ክታበት ምስወሰድዎ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ምልክታት ኣማዕቢሎም። ኩሎም እዞም ሕሙማት ድማ ነቲ ምልክት ምስተራእዮም ብኡንብኡ አፒነፍሪን (epinephrine) ብምውሳድ ሓውዮም።
ኩለን ነቑጣታት ክታበት ኣናፊላክሲስ ፈልዮም ዘለልዩን ግብረ-መልሲ ዝህቡን ዝሰልጠኑ ክኢላታት ጥዕና ኣለወን። ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰደ ሰብ ኣድላዪ ምስዝኸውን ሓገዝ ንምሃብ ን15 ደቒቕ ምክትታል ይግበረሉ።

ናብ ስራሕ ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ሒደት መዓልቲታት ምዉሻብ ኣየድልን'ዩ። እንተደኣ፣

  • ኮቪድ-19 ምስዘለዎ ርክብ እንተዘይኔርኩም ከምኡውን
  • ጽቡቕ ስምዒት እንተተሰሚዕኩምን ልሙድ መዓልያዊ ንጥፈታትኩም ንምክያድ ከም ስራሕ ምስራሕ ከምኡ'ውን  
  • ረስኒ እንተዘይሃልዩኩም ከምኡ'ውን
  • ስሚዒትን ምልክታትን ኣብ ክታበት ኮቪድ-19 እንዕዘቦም ዝተደረቱ ጥራሕ እንተኾይኖም (ኣብዚ ተመዝጊቦም ዘለዉ፡ እንተላይ ቃንዛ፡ ምሕባጥ፡ ድኻም፡ ቁሪ ቁሪ ምባል። ሕማም ርእሲ) ከምኡ'ውን
  • ካልእ ስሚዒትን ምልክታትን ናይ ኮቪድ-19 እንዘይሃልዩኩም፡ ከም፣ ሰዓል፡ ሕጽረት ትንፋስ፡ ሕማም ጎሮሮ፡ ወይ ድማ ለውጢ ጨናን መቐረትን።

ተወሰኽቲ ሓበሬታ

CDC፡ ድሕሪ ክታበት ጥንቃቐ ንሰራሕተኛታት ጥዕና
CDC፡ ድሕሪ ክታበት ጥንቃቐ ንነበርቲ ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ ክንክን ዝነብሩ

ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ሓደ ናጻ ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ወብ ሰርቨይን (V-safe) ኣብ ስማርትፎን (smartphone) ዝመሰረቱ ዉልቃዊ ናይ ጥዕና መራኸቢ ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ምውሳድኩም እትራኸቡሉ ፈጢሩ ኣሎ። V-safe ብተወሳኺ ነቲ ካልኣይ ዓቐን ክታበት (dose) ትወስድሉ እዋን የዘክረኩም። ኣብ V-safe ክትሳተፉ ድማ ነተባብዓኩም። ዝያዳ ንምፍላጥ www.cdc.gov/vsafeተወከሱ።

ኣብ እዋን ምርመራ ኮቪድ-19 (COVID-19) ህላወ ቫይረስ ንምርግጋጽ፡ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) እቲ ቫይረስ ከምዝሕዘካ (positive) ኣይገብርን’ዩ።

ፈተነ ጸረ ግዳማዊ ኣካል (Antibody) ኣብ ደም ዝደሊ ንጸረ ግዳማዊያን (Antibodies) ሓደ ሰብ ብቫይረስ ወይ ብባክተርያ ተለኺፉ ምዃኑ የመልክት። ጸረ ግዳማዊ ኣካል (Antibody) ዝፍጠሩ (ዝህልዉ) ሓደ ሰብ ብቑዕ ክታበት ምስዝወስድ እንተላይ ኢዩ። እንተደኣ ሰብነትና ተጻዋርነት ግብረ-መልሲ ንክታበት ኮቪድ-19 ኣማዕቢሉ፡ ኣብ ገለ ናይ (Antibody) ምርመራታት ንኮቪድ-19 (COVID-19) ፖሲቲቭ (እወታዊ) ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎ።

እወ። ዋላ COVID-19 ይሃልኹም ክታበት ክትወስዱ ኣለኩም። ሕማም COVID-19 ሒዙ ምስዝገድፈኩም ተመሊሱ ንኸይሕዘኩም ሰብነትኩም ንኽንደይ ግዜ ዝኣክል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ ክሳብ ሕጂ ብተመራመርቲ ዝተፈልጠ የለን። ዋላ’ኳ COVID-19 ሒዙ ገዲፍኩም እንተኾነ እቲ ቫይረስ ናይ ኮቪድ-19 እንደገና ተመሊሱ ከጥቅዓኩም ይኽእል እዩ።

እዋን ውሸባ ድሕሪ ምዝዛምኩምን (እንግሊዝኛ ጥራሕ) ኩሉ ክቢድ ምልክስታት ምስ ኣቋረጸን ክስበት ክትወዱ ይግባእ። ክታበት ቅድሚ ምውሳድኩም እንደገና መርመራ COVID-19 ምውሳድ ኣየድልየኩምን’ዩ።

ን COVID-19 ብ monoclonal antibodies ወይ convalescent plasma ተፈዊስኩም እንተዄንኩም ቅድሚ ክታበት ምውሳድኩም ን 90 መዓልታት ክትጽበዩ ኣለኩም። እንታይ ዓይነት ፍወሳ ከምዝተገብረልኩም ርግጸኛታት እንተዘይዄንኩም ወይ’ውን ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ተወሳኺ ሕቶታት ምስዝህልወኩም ምስ ሓኪምኩም ተዘራረቡ።

ብዙሓት ኣስራሕቲ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ናይ ምውሳድ መምርሒ ንምውጻእ ኣብ ምውሳን ይርከቡ። ንኣብነት ናይ ዋሽንግተን ጋቨርነር፡ ብስተይት ዝተቖጽሩ ሰራሕተኛታት ብሙሉኦም ክታበት ክወስዱ ኣዚዙ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ክፍለ-ግዝኣት ዋሽንግተን ነቲ ክታበት ምውሳድ ግዱድ ክኸውን ኣይሓሰበን ዘሎ፡ እንተኾነ ግን ኣስራሕቲ ክሓቱ (ከገድዱ) ይኽእሉ’ዮም። ህዝባዊ ጥዕና ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ዉሑስ፡ ዕዉትን ከምኡ’ውን ዉጽኢታዊ መንገዲ ንምክልኻል ኮቪድ-19 (COVID-19) ምዃኑ ይመክር። ከምኡ’ውን ሕማምን ናብ ሕክምና ምምልላስን የጉድል፣ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (COVID-19) ዝስዕብ ሞት፡ ከምኡ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ለብዒ ጠጠው ንምባል ይሕግዝ።

  1. ናብ ናይ ዋሽንግተን ስተይት መዝገብ ክታበት "My Immunization Registry" (MyIR) ብምእታው ብኦንላይን ርኣዩ። ተመዝጊብኩም እንተዄንኩም ናብ MyIR ብምእታው (ብእንግሊዝኛ) ፈትሹ፡ ምስ ረኸብኩሞ ፕሪንት፡ ስክሪን ሾት ወይ ስእሊ ናይ'ቲ ሓበሬታ ውሰዱ። ኣቐዲምኩም ዝኸፈትኩሞ መዝገብ እንተዘይብልኩም ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ sign up for MyIR ብምኻድ ተመዝገቡ።
  2. ካብ ሞባይልኩም ክእቶ ዝኽእል ናይ ዋሽንግተን ስተይት መዝገብ ክታበት MyIRmobile (ብእንግሊዝኛ) ብምእታው ናይ ክታበት መረጋገጺ ርኸቡ። መዝገብ MyIRmobile፡ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቁጽሪ ስልኪን ኢመይልን ብምእታው እዩ ሓበሬታ ከቕርብ ዝከኣል። ካብ'ዚአን ዋላ ሓንቲ'ኳ ትኹን እንተዘይኣትያ ወይ ጌጋ እንተለዋ መዝገብኩም ክትረኽቡ ኣይክትክእሉን ኢኹም። ሓበሬታ ንምግጣም ኣብ MyIR ሞባይል ቻት ገጽ ምጥቃም ወይ ናብ 833-VAX-HELP  ምድዋል። ተርጎምቲ ቀሪብና ኣለና።
  3. ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ እትረኽቡሉ ቦታ ብምኻድ እንተዄንኩም ተኸቲብኩም፡ ናብኡ ብምኻድ ቅዳሕ ክትሓቱ ትኽእሉ።
  4. ናብ'ቲ ክታበት ዝወሰድኩምሉ ነቚጣ ተመሊስኩም ብምኻድ ንሓላፊ ክሊኒክ ሓድሽ ካርድ ክውሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ። ኣብ መዝገቦም ፈቲሾም ሓድሽ ካርድ ክህቡኹም ይኽእሉ ይኾኑ።