
COVID-19 ንምዕጋት ናይ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ምኽርታት
Public Health Recommendations to Stop COVID-19 in Tigrinya
14 ታሕሳስ 2022፡ ሕጂ እዋናዊ ክታበት ተዳልዩ ኣሎ። እቲ እዋናዊ መሐየሊ ክታበት ንኦሚክሮን ነቲ ዝስፋፍሑ ዘሎው መልክዓት ከምኡውን ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ኮቪድ ቫይረስ ዒላማ ክገብር እዩ።
ነዚ እዋናዊ ክታበት ክትወስድ ኣለካ እንድሕር፡
- ዕድሜኻ/ኺ 6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ እዩ፣
- መባእታዊ ተኸታታሊ ክታበታት ወሲድካ እንተኾይንካ (እተን ቀዳሞት 2 ሞደርና /ፋይዘር / ኖቫክስ ወይ 1 ዓቀን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን)
- እቲ ናይ መወዳእታ ዓቀን ካብትወስድ ብውሑዱ 2 ወርሒ እንተጌርካ። (እቲ ናይ መወዳእታ ዓቀን መባእታዊ ዓቀን ወይከአ እቲ መሐየሊ ክኸውን ይኽእል እዩ)
ኩሉ ሰብ እዋናዊ መሐየሊ ክወስድ ይግባእ ፡ ብፍላይ ዕድሚኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ወይከኣ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ዘሎዎም ሰባት ወይከአ ፣ከም ሽኮርያ ወይ ሕማም ልቢ ናይ ጥዕና ኩነታት ዘለዎም ሰባት።
መዘኻኸሪ፥ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ናይ Pfizer መባእታዊ ተኸታተሊ ክታበት ዝወስዱ ብድምር 3 ዶዛት/ዓቐናት ትታበት ክወስዱ እዮም። ነቲ ተኸታተሊ ክታበት ገና ዘይወድእዎ ምስ ዝኾኑ፡ ከም ሳልሳይ መባእታዊ ዓቐን ክታበቶም Pfizer ባይቫለንት ክታበት ክወስዱ እዮም። ዉላድኩም ነቲ ናይቲ 3-ዶዝ ናይ Pfizer መባእታዊ ተኸታተሊ ክታበት ድሮ ወዲእዎ ምስ ዝህሉ፡ Pfizer ባይቫለንት ቡስተር/መበራትዒ ኣይወስዱን እዮም።
ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።
ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ንምሕጋዝን፡ ጥዕና ሓድሕድና ንምሕላውን ነዚ ዝስዕብ ስጉምቲ ውሰዱ
እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ክታበት ምውሳድ እዩ። ኣብዚ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸትቡ ሰባት now ዝያዳ ነገራት ብውሑስ ኣገባብ ክገብሩ ይኽእሉን ኣብ ሕብረተሰብ ድማ COVID-19 ክንክይ ይሕግዙን ኣለዉ (ዌብ ሳይት ብእንግሊዝኛ)።
ኣብ ዚያድ ሓደገኛ (ተኣፋፊ) ቦታታት (ብዙሓት ሰባት ዝእከቡሉ ቦታታት) ማስክ ምግባር ጥዕና ኩሉ ሰብ ንምሕላው ይሕግዝ። ብፍላይ ክታበት ዝህቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክረኽቡ ዘይክእሉ፡ ከም ናእሽቱ ቆልዑን፡ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ንቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመን ሓጋዚ ኢዩ።
ናይ COVID-19 ምልክት እንተለኩም፡ ወይ ድማ ምስ ተመርሚሮም ኮቪድ ከምዘለዎም ዝተነግሮም ናይ ቀረባ ርክብ እንተጌርኩም፡ ተመርመሩ።
ናይ COVID-19 መርመራኻ ውጽኢት አወንታ ምስዝኸውን ወይ እውን በዚ ሕማም ናይ ምትሓዝ አብ ልዑል ስግኣት ምስ እትህሉ ተቐላጢፍካ ናይ COVID-19 ሕክምናዊ ክንክን ምግባር (ሓበሬታ ብእንግሊዘኛ ጥራሕ)፡ ካብ ከቢድ ሕማምን አብ ሆስፒታል ምድቃስን ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡፡ ሕክምናዊ ክንክን ክትገብር ዝምከር እንተኾይኑ ንሓኪምካ ተወከስ።
ዘይተኸተቡ ሰባት ኣብ ምዝንጋዕኩም ዝሳተፉ እንተኾይኖም፡ ምትእኽኻብኩም ምስ ውሑዳት ሰባትን፡ ኣብ ግዳምን ግበሩዎ። እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብቐሊሉ ስለ ዝመሓላለፍ፡ ትካላትን ማሕበራትን፡ ጽቡቕ መተሓላለፊ ኣየርን ፊልተራት (መጽረዪ ኣየር) ብጥቃም ንዝርግሐ ቫይረስ ክንክዩ ይኽእሉ (ዌብ ሳይት ብእንግሊዝኛ)።
ኣብ ገዛኹም ብኸመይ ንናይ ኮቪድ-19 ምልክታትኩም ከምትከታትልዎ/ከምእትኣልይዎ
ኢንፎግራፊክስ (ስእላዊ ሓበሬታታት)ምርመራ ንሕክምና ሓድሽ መደብ ኮይኑ ሰባት ኮቪድ-19 እንተሒዝዎም ምርመራ ንክገብሩን ብቕልጡፍ ናጻ ሕክምና ክረኽቡን ዝሕግዝ ኢዩ።
ብዛዕባ COVID-19 እተዋህበ መምርሒ
- ዓይነታት ክታበት ኣነጻጽር, ክፍሊ ጥዕና ዋሽንግተን
- ናይ COVID-19 ክታበት ቡስተር ዶዝ መወከሲ መምርሒ ንኹሉ ዕድመ, ክፍሊ ጥዕና ዋሽንግተን
- ናይ COVID-19 ክታበት ዘለዎም ቦታታት ርኸብ, ክፍሊ ጥዕና ዋሽንግተን
- ኮቪድ-19, ክፍሊ ጥዕና ዋሽንግተን
- ክታበት ኮቪድ-19, ክፍሊ ጥዕና ዋሽንግተን
- ኮቪድ-19<, ማእከል ቍጽጽር ሕማም
ኢንፎግራፊክስ (ስእላዊ ሓበሬታታት)
ነንሕድሕድኩም ንምትሕግጋዝ ድሉዋት ኩኑ። ሓያል ማሕበረሰባዊ ምትሕልላይ ሓያል ግዜ ንምስጋር ሓጋዚ ኢዩ።
Link/share our site at www.kingcounty.gov/covid/tigrinya