Skip to main content

ክታበት ኮቪድ-19 ንህጻናትን መንእሰያትን

ክታበት ኮቪድ-19 ንህጻናትን መንእሰያትን

ሚያዝያ 28፡ 2023፣ ዕድሚኦም 6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝኾኖም ኩሎም ሰባት ዝማዕበለ (bivalent) ክታበትር ክወስዱ ይምከር።

ካብ ሚያዝያ 19፡ 2023 ጀሚሩ ምኽሪታት ናይ ማእከላት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም (CDC) ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ዝኾነ ሰብ ዕድሚኡ 6 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖ 1 ዝዘመነ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ፋይዘር ወይ ሞደርና እንተደኣ ወሲዱ ዘማልአ ከምዝኾነ (ብአንግሊዝኛ ጥራሕ) ይቑጸር።

ገለገለ ሰባት ተወሳኺ ናይ ኮቪድ-19 (COVID-19) መሐየሊ ክታበት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም፥

  • ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖም ሰባት 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ድሕሪ 4 ወይ ልዕሊኡ ኣዋርሕ ናይ’ታ ቀዳመይቲ ዝመዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።
  • ማእከላይ ወይ ብርቱዕ ዝኾነ ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ሰባት ድሕሪ 2 ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ናይ’ታ ዝወሰዱዋ ቀዳመይቲ ዝማዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ-5 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት እዋናዊ ክበሃሉ ብዝሕ ዝበለ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ከድልዮም ይኽእል ኢዩ፣ እንተላይ እንተወሓደ 1 ዝማዕበለ ዓቐን ፋይዘር ወይ ሞደርና። እዚ ኣብ’ቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ብዝሒ ዓቐንን ዕድሚኦምን ይምርኮስ።

ብኽብረትኩም ክንደይ ዓቐን ከምዘድልየኩም ሕቶ እንተሃልዩኩም ንወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕናኹም ተወከሱ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።

መን እዩ ብቑዕ?

ዕድሚኦም 6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝኾኖም ኩሎም ሰባት ዝማዕበለ (bivalent) ክታበትር ክወስዱ ይምከር።

ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ-5 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት እዋናዊ ክበሃሉ ብዝሕ ዝበለ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ከድልዮም ይኽእል ኢዩ፣ እንተላይ እንተወሓደ 1 ዝማዕበለ ዓቐን ፋይዘር ወይ ሞደርና። እዚ ኣብ’ቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ብዝሒ ዓቐንን ዕድሚኦምን ይምርኮስ።

ብኽብረትኩም ክንደይ ዓቐን ከምዘድልየኩም ሕቶ እንተሃልዩኩም ንወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕናኹም ተወከሱ።

young girl receiving vaccination

ናብ ቆጸራ ክታበት እንታይ ሒዝካ ከም እትመጽእ

  • ዕድሜኻ ዘረጋግጽ ሰነድ: መንግስቲ፣ ቀቢላ ወይ በፌደራል ዝተዋህበ መንነት፣ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት፣ ናይ ቤት ትምህርቲ መንነት፣ ወይ ከኣ ስምን ዕለትን ልደት ዘለዎ ወረቐት ሕክምና ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

  • ሓጺር እጅገ ተኸደን ወይ ብቀሊሉ ክትጥቅልሎ እትኽእል ልሕሉሕ እጅገ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምካ ክታበት ክትወስደሉ እትኽእል ግበር።

  • ፍቓድ ሓላፍነካ ዝወስድ በጽሒ: ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት ምስዝኸውን፡ ክታበት ንኽትወስዱ ሓላፍነትኩም ናይ ዝወስድ ፍቓድ የድልየኩም ይኸውን። እንድሕር ነጻ ዝወጻኹም፡ ምስ በጽሒ ሓዳር ዝገበርኩም ወይ እቲ ነቚጣ ክታበት እኹል ትሕቲ-ዕድመ (ብእንግሊዝኛ) ምዃንኩም ኣረጋጊጹ ናይ ነብስኹም ሓላፍነት ወሲድኩም ባዕልኹም ከተፍቅዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኩለን ነቚጣታት ክታበት ከምዚ ዓይነት ውሳኔ እኹል ትሕቲ-ዕድመ ክወስዳ ይኽእላ እየን ማለት ኣይኮነን።

  • ንትሕቲ ዕድመ ብዝምልከት ፍቓድ ክህቡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣባጽሕ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም:

    • ብጉዳይ ጥዕናኻ ክውስኑ ብቤት ፍርዲ ፍቓድ ዝተዋህቦም (ሕጋውያን መዕበይቲ፡ ኣለይቲ (custodian)፡ ካብ-ገዛኻ-ወጻኢ ትእዛዝ መንበሪ (out-of-home placement order)
    • ወለዲ
    • ብጉዳይ ጥዕናኻ ውሳኔ ክወስዱ ካብ ስድራቤትካ ብጽሑፍ ዝተሰነየ ፍቓድ ዝተዋህቦም በጽሒታት
    • ብጉዳይ ጥዕናኻ ሓላፍነት ዝወስድ በጽሒ ቤተሰብ
    • Iኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ናይ ቤት ትምህርትኻ ነርስ፡ ናይ ቤት ትምህርቲኻ ኣማኻሪ ወይ ናይ መንበሪ ቤት ኣልቦ ተማሃራይ መንጎኛ

    ሓላፍነትካ ዝወስድ በጽሒ ምሳኻ ኣብ’ቲ ቆጸራ ክታበት ዘይርከብ እንተኾይኑ፡ ሓላፍነትኩም ዝወስድ በጽሒ ከምዘፍቀደ ወይ ሕጋዊ ነጻነት ከምዘለኩም ብኸመይ መልክዕ መረጋገጺ ከተቕርቡ ከምእትኽእሉ ንምፍላጥ ምስቶም ክታበት ዝህቡኹም ተዘራረቡ።

ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና – ስያትልን ኪንግ ካውንቲን ናይ ክታበት COVID-19 ቅጥዒ ፍቓድ ትሕቲ ዕድመ (PDF)

እዚ ቅጥዒ፡ ኣብ ኦበርንን ኬንትን ዝርከባ ነቚጣታትን ክሊኒካት ህዝባዊ ጥዕናን ወሲኽካ፡ ነቚጣታት ክታበት ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና - ስያትልን ኪንግ ካውንቲን፡ ዝጥቀማሉ እዩ። ሓላፍነትካ ዝወስድ በጽሒ ምሳኻ ኣብ’ቲ ቆጸራ ክታበት ዘይርከብ እንተኾይኑ፡ እዚ ቅጥዒ ከም ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። እቲ ናይ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ሰራሕተኛ፡ ሓላፍነካ ካብ ዝወስዱ ኣባጽሕ ብስልኪ ወይ ናይ ኢድ ጽሑፍ (note) ፍቓድ ክቕበል ይኽእል። ቆጸራ ክታበትካ ኣብ ነቚጣ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና እንተዘይኮይኑ፡ ሓላፍነትኩም ዝወስድ በጽሒ ከምዘፍቀደ ወይ ሕጋዊ ነጻነት ከምዘለኩም ብኸመይ መልክዕ መረጋገጺ ከተቕርቡ ከምእትኽእሉ ንምፍላጥ ምስቶም ክታበት ዝህቡኹም ተዘራረቡ።


ብመሰረት ናይ ፌደራላዊ መንግስቲ መሰል ወድ'ሰብ ሕጊ - ሲያትልን ኪንግ ካውንቲን ኣብ ዝኾኑ ፕሮግራማትን ወይ ንጥፈታት፡ከም ናይ ውልቀ ሰባት ፍሉይ መሰል፡ ከም ዓሌት፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ካበይ መበቆል፡ ጾታዊ መለለዪ(ጾታዊ መግለጺ)፡ ናይ ገብረ ሰጋ ምርጫ፡ ሰንክልና፡ ዕድሜን፡ ኹነታት ሓዳር (ምርዑዋት ወይ ዘይምርዑዋት)፡ ኣፈላላይ ኣይገብሩን ኢዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ኣፈላላይ ጥርዓን ወይ ቅርታ ምስ ዝህልወኩም፡ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ንናይ ኪንግ ካውንቲ ፕሮግራም መሰል ወድ ሰብ፡ ኣብ ኮምፒተር civil-rights.OCR@kingcounty.gov; ወይ ኣብ ቁጽሪ ስልኪ 206-263-2446 (ብኽብረትኩም ሽምኩም ግለጹ)፡ TTY Relay 7-1-1; ወይ ድማ ብደብዳቤ ኣብ ኣድራሻ (401 5th Ave, Suite 800, Seattle, WA 98104) ተወከሱ።


Link/share our site at kingcounty.gov/youthvaccine/tigrinya

expand_less