Skip to main content

ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ

ኣብ ኪንግ ካውንቲ ክታበት ምርካብ

ሚያዝያ 28፡ 2023፣ ዕድሚኦም 6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝኾኖም ኩሎም ሰባት ዝማዕበለ (bivalent) ክታበትር ክወስዱ ይምከር።

ካብ ሚያዝያ 19፡ 2023 ጀሚሩ ምኽሪታት ናይ ማእከላት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም (CDC) ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ዝኾነ ሰብ ዕድሚኡ 6 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖ 1 ዝዘመነ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ፋይዘር ወይ ሞደርና እንተደኣ ወሲዱ ዘማልአ ከምዝኾነ (ብአንግሊዝኛ ጥራሕ) ይቑጸር።

ገለገለ ሰባት ተወሳኺ ናይ ኮቪድ-19 (COVID-19) መሐየሊ ክታበት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም፥

  • ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖም ሰባት 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ድሕሪ 4 ወይ ልዕሊኡ ኣዋርሕ ናይ’ታ ቀዳመይቲ ዝመዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።
  • ማእከላይ ወይ ብርቱዕ ዝኾነ ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ሰባት ድሕሪ 2 ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ናይ’ታ ዝወሰዱዋ ቀዳመይቲ ዝማዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ-5 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት እዋናዊ ክበሃሉ ብዝሕ ዝበለ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ከድልዮም ይኽእል ኢዩ፣ እንተላይ እንተወሓደ 1 ዝማዕበለ ዓቐን ፋይዘር ወይ ሞደርና። እዚ ኣብ’ቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ብዝሒ ዓቐንን ዕድሚኦምን ይምርኮስ።

ብኽብረትኩም ክንደይ ዓቐን ከምዘድልየኩም ሕቶ እንተሃልዩኩም ንወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕናኹም ተወከሱ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።


ብኸመይ ክታበት ክትወስዱ ከምእትኽእሉ ዝውሃብ/ዝቐርብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ለውጢ ይግበረሉ እዩ። ነቲ በብእዋኑ ዝተገብረ ለውጢ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ንምትርጓሙ ንጽዕር ኣለና፡ እንተኾነ ግን ንምትርጓሙን ኣብ ወብሳይት ንምዝርግሑን ግዜ ስለዝወስድ ምድንጓይ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ንትዕግስትኹም ኣዚና ነመስግን።

እቲ ኣዝዩ እዋናዊ፡ ተመሓይሹ ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ብእንግሊዝኛ ኣብ kingcounty.gov/covid/vaccine ቀሪቡ ኣሎ።

ክትባት ኸመይ ትረኽቡ

ናይ ውሕስነትን ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኩነታት ብዘይ ኣገድስ፡ ነጻ ቀረብ ክታበት ኣሎ።

ቀዳማይ ደረጃ ክታበት ኣበይ ወሲድካ ብዘይ ኣገድስ፥ ኣብ ዝበዝሕ ናይ ክታበት ቦታታት ናይ ፋይዘርን ሞደረናን ካልኣይ ደረጃ ክታበት ክውሰድ ይከኣል። ብኽብረትኩም ንክታበት ኣብ እትመጽእሉ ግዜ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ክታበት መረጋገጺ ካርድኹም ወይ ስእሊ ናይ ካርድኹም ኣምጽኡ።

ጽሑፍ ወረቐት (PDF):

Drive through vaccination site

እዞም ዝስዕቡ ክተምጽኡ ይግብኣኩም፡

  • ወረቐት መንነት ዕለት ዕለት ልደት ዘለዎ፡ ስቴት፡ ዓሌት፡ ወይ ብፈደራል ዝተዋህበ ታሴራ፡ ከምኡ 'ውን ብስምን ኣድራሻን ናይ ቢል ወይኻዓ ናይ ባንክ መግለጺ ምጥቃም ይካኣል።
  • ኣብ ምናት ኢድኩም ክታበት ምእንቲ ክትረኽቡ ብቐሊሉ ካሚቻኹም ክትስብስብዎ ትኽእሉሉ ወይ  ሓጸርቲ እጅገታት ዘለዎም ካሚቻታት ኣለኩም።
  • ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት ምስዝኸውን፡ ክታበት ንኽትወስዱ ሓላፍነትኩም ናይ ዝወስድ ፍቓድ የድልየኩም ይኸውን። እንድሕር ነጻ ዝወጻኹም፡ ምስ በጽሒ ሓዳር ዝገበርኩም ወይ እቲ ነቚጣ ክታበት እኹል ትሕትቲ-ዕድመ (ብእንግሊዝኛ) ምዃንኩም ኣረጋጊጹ ናይ ነብስኹም ሓላፍነት ወሲድኩም ባዕልኹም ከተፍቅዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኩለን ነቚጣታት ክታበት ከምዚ ዓይነት ውሳኔ እኹል ትሕቲ-ዕድመ ክወስዳ ይኽእላ እየን ማለት ኣይኮነን። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቆልዑን ትሕቲ ዕድመ መእንሰያትን ከምኡ’ውን ሓላፍነት ዝወስድ በጽሒ (authorized adult) ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ይርከብ። ክታበት ኣብ እትወስዱሉ፡ ሓላፍነትኩም ዝወስድ በጽሒ ምሳኹም ኣብ’ቲ ቆጸራ ክታበት ዘይርከብ እንተኾይኑ፡ ሓላፍነትኩም ዝወስድ በጽሒ ከምዘፍቀደ ወይ ሕጋዊ ነጻነት ከምዘለኩም ብኸመይ መልክዕ መረጋገጺ ከተቕርቡ ከምእትኽእልይ ንምፍላጥ ምስቶም ክታበት ዝህቡኹም ተዘራረቡ።
  • እንተደኣ ካልኣይ ዓቐን ክታበት ወይ ድማ መሐየሊ ክታበት ትወስድ እንተኾይንካ ናይ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ክታበት ካርድኻ። እቲ ናይ ሓድሽ ዓቐን ክታበት መዝገብ ኣብ ካርድኻ ኽምዝገብ ኢዩ።

ብኸመይ ናብኡ ትበጽሑ:

እንድሕሪ ኣብ ኪንግ ካውንቲ ትነብሩ ኮይንኩምን፡ ናብ ናይ ክታበት ቆጸራኹም መጎዓዓዚ የድሊየኩም ኾይኑ፡ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣለውኹም፡

  • መጉዓዝያ ርኸብ፡ ናብ ቆጸራ ክታበት መጉዓዝያ እንተደሊኻ፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ተወከስ www.findaride.org ወይ ናብ መስመር ሓገዝ መጉዕዝያ 425-943-6760 ደዉል (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ 8:30 ቅ.ቀ. ክሳብ 4 ድ.ቀ. ንትርጉም ቁጽሪ 5 ጠውቕ)። እንተደኣ ኣስተርጓሚ ደሊኻ፡ እቲ ትደልዮ ቋንቋ ተዛረብ።
  • ኣገልግሎት ኣውቶቡስ፡ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ናብ ቆጸራ ክታበት ንምኻድ ነዞም ዝስዕቡ ማለት ባስ ትራንዚት፡ ኣክሰስ ፓራትራንዚት፡ ከምኡ ድማ ናይ ከባብያዊ ቫን ሻትላት ሓዊስካ ብዙሕ ናይ መጉዓዝያ ኣማራጺታት ይህብ። ብዛዕባ ኣማራጺታት ቀረብ መጓዓዝያ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ'ዚ ተወከሱ ወይ ከአ ኣብ 206-553-3000 ደውሉ
  • ሜዲኬይድ ወይ ኣፕል ሄልዝ ካርድ ኣለኩም ዶ?፡ ንሆፕሊንክ ሜዲካል ኣብ 1-800-923-7433 ደውሉ። (ብቕዓት ከምዘለኩም ኣረጋግጹ)
  • ሽማግለ ዲኹም ወይ ስንክልና ኣለኩም ዶ?፡ ንሜትሮ ኣክሰስ ኣብ 206-205-5000 ደውሉ። (ብቕዓት ከምዘለኩም ኣረጋግጹ)
  • ንካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ቆጸራ ክትወስዱ ትፍትኑ ደለኹም? ነዚ ቅጥዒ ምልኡሞ፡ (Fill out this form) ናይ ሆፕ ሊንክ ሞቢሊቲ ምምሕዳር ኣባል ክካታተሎ ኢዩ። ድሕረ ገጽ(ዌብሳይት) ብእንግዝልዝኛ ጥራይ (Websites in English only)

ንኻልኣይ ዓቐን ክታበት ንምውሳድ ቆጸራ ውሰዱ።

መሐየሊ ዓቐን ክታበት ንምውሳድ መደብ ግበር።


ብመሰረት ናይ ፌደራላዊ መንግስቲ መሰል ወድ'ሰብ ሕጊ - ሲያትልን ኪንግ ካውንቲን ኣብ ዝኾኑ ፕሮግራማትን ወይ ንጥፈታት፡ከም ናይ ውልቀ ሰባት ፍሉይ መሰል፡ ከም ዓሌት፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ካበይ መበቆል፡ ጾታዊ መለለዪ(ጾታዊ መግለጺ)፡ ናይ ገብረ ሰጋ ምርጫ፡ ሰንክልና፡ ዕድሜን፡ ኹነታት ሓዳር (ምርዑዋት ወይ ዘይምርዑዋት)፡ ኣፈላላይ ኣይገብሩን ኢዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ኣፈላላይ ጥርዓን ወይ ቅርታ ምስ ዝህልወኩም፡ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ንናይ ኪንግ ካውንቲ ፕሮግራም መሰል ወድ ሰብ፡ ኣብ ኮምፒተር civil-rights.OCR@kingcounty.gov; ወይ ኣብ ቁጽሪ ስልኪ 206-263-2446 (ብኽብረትኩም ሽምኩም ግለጹ)፡ TTY Relay 7-1-1; ወይ ድማ ብደብዳቤ ኣብ ኣድራሻ (401 5th Ave, Suite 800, Seattle, WA 98104) ተወከሱ።


Link/share our site at kingcounty.gov/vaccine/tigrinya

expand_less